ቫይረስ ዚካ ንዓለም ዘተሓሳስብ ሕማም ኣይኮነን ይብሉ ክኢላታት ተመሓላለፍቲ ሕማማት ዶ/ር ሳሙኤል ሃይለኣብን ዶ/ር ዳውድ ሰይድ ሲራጅን።
ኣብ ሓደ ሓደ ከባቢታት ክልል ኦሮሚያ ብቕድሚ ትማሊ ሰንበት ዝጀመረ ተቓውሞን ግጭትን ሎሚ'ውን ከምዝቐጸለ ነበርቲ ገሊጾም።
ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣብ ሰናይ ምምሕዳር እቲ ክልል ይርኣዩን ህዝቢ ዘልዕሎም ዘለውምን ፀገማት ንምዝታይን ንምፍታሕን ልዕሊ 1,500 ተሳተፍቲ ዝተኻፈልሉ ኮንፈረንስ ንሓሙሽተ መዓልታት ተኻይዱ ኔሩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ተቓውሞ ኦሮሚያ ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ደው ከብሎን መግሃስቲ ንዝፈጸሙ ድማ ተሓታቲ ምዃኖም ከረጋግጽን ሓደ ናይ ሕቡራት ሃገራት ጉጅለ ክኢላታት ጸዊዑ።
ንጋዜጠኛታት ዝሕለቕ ትካል /CPJ/ ኣብ ዙሪያ ዓለም ብዛዕባ ዝተቐትሉ ጋዜጠኛታት ዓመታዊ ጸብጻብ ኣውጺኡ’ሎ።
ኣብ ገለ ከባቢታት ክልል ኦሮሚያ ሎሚ እውን ተቓውሞ ከምዝቕጸለን ቁጽሪ ናይ ዝእሰሩ ሰባት ይውስኽ ከምዘሎን ተቓዋሚ ፓርቲ ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ ገሊጹ።
ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ኣብ ፓሪስ ፈረንሳ ዝተኻየደ ጉባኤ ኩነታት ለውጢ ኣየር ልዕሊ 190 ሃገራት ዓለም ዝተሰማምዓሉ ውዕል ካብ ትፅቢትና ንላዕሊ ኣዕጋቢ እዩ ይብሉ ተሓባባሪት ፕሮፌሰር ዩኒቨርስቲ መቐለ ዶ/ር ሳራ ተወልደን ፕሮፌሰር ዩኒቨርስቲ ታውሰን ዶ/ር ፅጋቡ ኣስመላሽን።
ፕረዝደንት ሩዋንዳ ፖል ካጋሜ ህዝቢ ሩዋንዳ ደረት ፕሬዝዳንታዊ ናይ ስልጠን ዘመን አብ ሕገ-መንግስቲ ንምልዋጥ ንዘካየዶ ረፈረንደም ኣመስጊኖም።እንተኾነ ግን ብዛዕባ ዳግማይ ምውድዳር ዝበሉዎ ነገር የለን።
ኣብ ጅቡቲ ሓይልታት ጸጥታ'ታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ሓደ ሃይማኖታዊ ምትእኽኻብ ቶኽሲ ከፊቶም ኣስታት 19 ሰባት ከምዝቐተሉ ተቓወምቲ ገሊጾም።
ኣብ ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ዘሎ ከቢድ ድርቂ ኣሽሓት ደቂ ኣንስትዮን ቆልዑትን ጽሩይ ማይ ንምርካብ ኣብ መዓልቲ ክሳብ ሽዱሽተ ሰዓታት የሕልፉ ፤ጎዳጉዲ ማያት ይነቕጹ ኣለው፣ብድርቂ ዝተጠቕዑ ከባቢታት ዘለው ኣብያተ ትምህርቲ ስለዝትዓጽው ኣስታት 1.2 ሚሊዮን ህጻናት ትምህርቲ ከምዘቋረጹ ከምተገደዱ ትካል ህጻናት ኣድሕን ገሊጹ።
ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝተወሰኑ ከባቢታት ዞባ ሰሜን ጎንደር ተኸሲቱ ዝነበረ ሽግር ፀጥታ ኣብ ቁፅፅር ውዒሉ’ሎ ክብል መንግስቲ እቲ ክልል ገሊፁ’ሎ።
ኣብ ዝተፈላለዩ ክልል ኦሮሚያ ዝተልዓለ ህውከት ኣንፈቱ ኣዚዩ ኣስጋኢ ኣብ ዝኾነ ደረጃ ብምብጽሑ ስርዓት ንምኽባርን ናይ ህዝቢ ሰላምን ጸጥታን ንምህላውን መንግስቲ ስጉምቲ ምውሳድ ከምዝጀመረ ናይ ኢትዮጵያ ጸረ ሽብር ግብረ ሓይሊ ኣፍሊጡ።
ተወሳኺ ጽዓን