ወለንታዊ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ሰራሕተኛታት ዞባ ዓንሰባ ኣብ ምሕያል ተራ ደቂ ኣንስትዮ ሰራሕተኛታት ንምዕባይ ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊጹ

ውዳበ ደቂ-ኣንስትዮ ሰራሕታኛታት ዞባ ዓንሰባ ፡ጸገማትን ብድሆታትን ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ስራሕ ቦታ ብምልላይ ነባሪ ፍታሕ ንምምጻእን ኣብ መሪሕነት ዝህልወን ተሳትፎ ንምዕባይን ይሰርሕ ከምዘሎ ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረበን ኣባላት ናይ’ቲ ማህበር ገሊጸን ።

እዚ ኣብ 2019 ዓ.ም ብወለንታውያን ሰራሕተኛታት መንእሰያት ዞባ ዓንሰባ ዝተመስረት ማሕበር:ኣብ ደቂ-ኣንስትዮ ዘተኮረ ዝተፈላለየ ጎስጓስን ኣስተምህሮን ከምኡ’ውን መጽናዕትን ከምዘካየደን ድ'ውን ተጨባጢ ስራሕ ከምዝሰርሐን ኣባላት ናይቲ ውዳብ ዝኾና መንእሰያት ቤተኤል ሰሎሞንን መምህር ልዋም ይርጋኣለምን ገሊጸን ኣለዋ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።

Your browser doesn’t support HTML5

ወለንታዊ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ሰራሕተኛታት ዞባ ዓንሰባ ኣብ ምሕያል ተራ ደቂ ኣንስትዮ ሰራሕተኛታት ንምዕባይ ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊጹ