ኣስመራ —
ውዳበ ደቂ-ኣንስትዮ ሰራሕታኛታት ዞባ ዓንሰባ ፡ጸገማትን ብድሆታትን ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ስራሕ ቦታ ብምልላይ ነባሪ ፍታሕ ንምምጻእን ኣብ መሪሕነት ዝህልወን ተሳትፎ ንምዕባይን ይሰርሕ ከምዘሎ ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረበን ኣባላት ናይ’ቲ ማህበር ገሊጸን ።
እዚ ኣብ 2019 ዓ.ም ብወለንታውያን ሰራሕተኛታት መንእሰያት ዞባ ዓንሰባ ዝተመስረት ማሕበር:ኣብ ደቂ-ኣንስትዮ ዘተኮረ ዝተፈላለየ ጎስጓስን ኣስተምህሮን ከምኡ’ውን መጽናዕትን ከምዘካየደን ድ'ውን ተጨባጢ ስራሕ ከምዝሰርሐን ኣባላት ናይቲ ውዳብ ዝኾና መንእሰያት ቤተኤል ሰሎሞንን መምህር ልዋም ይርጋኣለምን ገሊጸን ኣለዋ።
Your browser doesn’t support HTML5
ወለንታዊ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ሰራሕተኛታት ዞባ ዓንሰባ ኣብ ምሕያል ተራ ደቂ ኣንስትዮ ሰራሕተኛታት ንምዕባይ ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊጹ