ኮሚሽን ሰ/መሰላት ኢትዮጵያ ጋዜጠኛታትን ሰራሕተኛታት መሓውራት ዜናን ዝተሓዝሉ ቦታ ክፍለጥ ኣተሓሳሲቡ

Your browser doesn’t support HTML5

ኮሚሽን ሰ/መሰላት ኢትዮጵያ ጋዜጠኛታትን ሰራሕተኛታት መሓውራት ዜናን ዝተሓዝሉ ቦታ ክፍለጥ ኣተሓሳሲቡ

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ፌዴራላዊን ክልላዊን መሓውራት ጸጥታ፣ ጋዜጠኛታትን ሰራሕተኛታት መሓውራት ዜናን ዝተትሓዝሉ ቦታ ብህፁፅ ከፍልጡ፣ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣተሓሳሲቡ።

እቲ ኮሚሽን ወሲኹ ኣብ ልዕሊ እቶም ዝተትሓዙ ሰባት ተኣማኒ ክሲ ዘይቐርብ እንተኾይኑ ድማ ብህፁፅ ንክፍትሑ ሓቲቱ።

ሓሙሽተ ጋዜጠኛታት ቴሌቭዥን ክልል ትግራይ ከምዝተኣሰሩ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ድምጺ ኣመሪካ ምፅብፃቡ ይዝከር። እቶም ጋዜጠኛታት ምስ ፀላእቲ ተሓባቢሮም ተባሂሎም ከምዝተኣሰሩ ካብ ስድራታቶምን ካብ ጠበቓን ዝረኸብናዮ መረዳእታ የርኢ። ቤት ፅሕፈት ከተማ መቐለ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ እቶም ጋዜጠኛታት ብሞየኦም ዘይኮነስ ብገበን ተጠርጢሮም እዮም ዝተኣሰሩ ኢሉ ነይሩ።