ኤርትራ-ብቋንቋ ኣደ ምምሃር ዓቢ ረብሓን ኣገዳስነትን ከምዘለዎ ተገሊጹ

ሚንስትሪ ትምህርቲ ኤርትራ ዳይረክተር ጀነራል ክፍሊ ሓፈሻዊ ትምህርቲ ኣቶ ሙሳ ሑሰን ናይብ

ብቋንቋ ኣደ ምምሃር ኣብ መዳይ ትምህርትን ማሕበረ-ቁጠባውን ባህልን ሕብረተሰብ ድርብ ረብሓ ከምዘለዎ ኣብ ሚንስትሪ ትምህርቲ ኤርትራ ዳይረክተር ጀነራል ክፍሊ ሓፈሻዊ ትምህርቲ ኣቶ ሙሳ ሑሰን ናይብ ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሩ።

እተን ናይ ላቲን ፊደላት ዝጥቀማ ከም ብዳውየትን ናራን ዝኣመሰላ ቋንቋታት፡ኣብ ውሽጠን ናይ ኣዘራርባን ኣጥቃቅማን ቃላት (dialects)ከምኡ’ውን ኣብ ኣደማማጻ ፡ብምትራርን ምፍኳስን ቃላተን ዝተፈላለየ ትርጉም ዝህቡ ብምዃኖም ፡ኣብ ምምዕባል ናይ’ተን ቋንቋታት ቀንዲ ብድሆ ከምዝኾነ ኣቶ ሙሳ ተዛሪቡ።

ኣብ’ተን ውሑድ ተዛረብቲ ዘለወን ቋንቋታት ዝረኣዩ ሕጽረት መወከሲ መጽሓፍትን ኣብ ስራሕ ዓለም ዘጋጥሞም ናይ ምርድዳእ ጸገማትን ንምፍታሕ ፡ዝተፈላለዩ ጻዕርታትን ፍሉይ ምትብባዓትን ከምዝግበረሎም ኣቶ ሙሳ ሑሰን ናይብ ወሲኹ ኣረዲኡ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ኤርትራ-ብቋንቋ ኣደ ምምሃር ዓቢ ረብሓን ኣገዳስነትን ከምዘለዎ ተገሊጹ