ኣስመራ —
መንግስቲ ኤርትራ ብ 1 ሚያዝያ ዘውጾኦን ን21 መዓልታት ጸኒዑ ዝጸንሐን ሰባት ኣብ ገዝኦም ክጸንሑ ዘገድድ ናይ ህጹጽ ግዜ ኣዋጅ፡ ብዘለዎ ጸኒዑ ክቕጽል ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም ምክልኻል ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ሎሚ ኣፍሊጡ’ሎ።ምስ ኩነተት ናይ ኤርትራን ሓደገኛነት ናይ’ቲ ሕማምን ኣብ ግምት ብምእታው እቲ ናይ ምክልካል ስትራቴጂ ቀንድ ኣማራጺ ከምዝኾነ ብምእማን እቲ ኣዋጅ ጸኒዑ ክቕጽል ከምዝተወሰነ ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም ኣፍሊጡ’ሎ። እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ ሰለስተ ካብቶም ሕሙማት ኮሮና ቫይረስ ሙሉእ ብሙሉእ ብምሕዋዮም ናብ ቤቶም ከምዝተፋነዉ ሚንስትሪ ጥዕና ኤርትራ ሓቢሩ።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
Your browser doesn’t support HTML5
ኤርትራ: ሰባት ኣብ ገዝኦም ክጸንሑ ዝወጽአ ናይ ህጹጽ ድንጋገ ኣዋጅ ጸኒዑ ከምዝቕጽል ተገሊጹ