ዋሽንግተን —
ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሞዛምቢክ ግዝኣት ካቦ ዴልጋዶ ዝካየድ ዘሎ ጎንፂ ብቅልጡፍ ደው ክብልን መፍትሒ ክርኸቦን እንተዘይተኻኢሉ ኣብቲ ኸባቢ ዝኸፍአ ጥፍኣት ክበፅሕ ይኽእል እዩ ኢሉ ።
ካብቶም ዝተመዛበሉ 90% ዝኾኑ ኣብ ከባቢ ከተማ ምስ ፈተውቶምን ኣዝማዶምን ተፀጊኦም ዝርከቡ ኮይኖም 10% መፀግዒ ስኢኖም ኣብ ዘስካሕክሕ ኩነታት ከምዝርከቡ ነቲ ኸባቢ ተዓዚቦም ዝተመልሱ ክልተ ሰበስልጣናት ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ሓቢሮም ።
መንግስቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ታሕሳስ ረዲኤት ካብዝሃቦም ወፃኢ ዝረኸብዎ ሓገዝ ብዘይምህላዉ ሱራሱርን ቆፅላ መፅሊን እናበልዑ ህጻናት ንሕማም ይቓልዑ ኣለዉ ኢሎም።
Your browser doesn’t support HTML5
ኣብ ሞዛምቢክ ግዝኣት ካቦ ዴልጋዶ ብዘጋጠመ ሰብኣዊ ቅልውላው 700,000 ሰባት ካብ መነባብብርኦም ምዝንባሎም ተገሊጹ