ኣስመራ:“ዝተፈጥረልና ልቓሕን ዝረኸብናዮ ስልጠናን ኣብ ምእላይ መነባብሮና ሓጊዙና”ኣብ ዝተፈላለየ ሞያ ዝተዋፈራ ደቂ-ኣንስትዮ

“ብሃማደኤ ዝተፈጥረልና ናይ ልቓሕን ስልጠናን ዕድል ካብ ተጸባይነት ወጺእና መነባብሮና ኣብ ምምራሕ ሓጊዙና" ክብላ ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረበን ኣብ ዝተፈላለየ ሞያ ዝተዋፈራ ደቂ-ኣንስትዮ ኣስመራ ተዛሪበን ።

“እብ ርእስ’ቲ ዝረኸብናዮ ሓገዝ ፡ናትና ጻዕሪ ተወሲኽዎ ካብ ሰብ ከተጸበና ዝሓሸ መነባብሮ ክንመርሕ፡ ደቅና ከነምህርን ኣብ ዝብጻሕ ከነብጽሖምን ክኢልና” ክብላ ኣብ ስራሕ ማእለማ ዝተዋፈረት ወ/ሮ ትርሓስ ጴጥሮስን ኣብ ንኡስ ሽቐጥ ዝተዋፈረት ወናኒት ባንኮ(ኪዮስክ) ዝኾነት ወ/ሮ ታቦቱ ተከለብርሃንን ተዛሪበን።

ምሸት ካብ ስራሕ ምስ ተመልሳ ዕዮ ናይ ቤተን ከምዝዓመኦ ዝተዛረባ እዘን ኣብነታውያን ደቂ-ኣንስትዮ፡ ካልኦት ደቂ ኣንስትዮ’ውን ካብ ተጸባይነት ተናጊፈን ነብሰን ንኽእላ ብዓቕመን ደገ ወጺኤን ክሰርሓ ተመኩሮኦን ብኣብነት ብምጥቃስ መኺረን ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ::

Your browser doesn’t support HTML5

ኣስመራ:“ዝተፈጥረልና ልቓሕን ዝረኸብናዮ ስልጠናን ኣብ ምእላይ መነባብሮና ሓጊዙና”ኣብ ዝተፈላለየ ሞያ ዝተዋፈራ ደቂ-ኣንስትዮ