መቐለ —
ናብ ክልል ትግራይ ክጉዓዙ ዝነበሮም ጉጅለ ልኡኽ ቻይና ብፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ተኸልኪሎም ክብል መንግስቲ ክልል ትግራይ ኸሰሱ።
ሓላፊት ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ ወይዘሮ ሊያ ካሳ ከምዝገለፅኦ ብቕድሚ ትማሊ ንስራሕ ካብ ቻይና ግዝኣት ሻንሲ ዝተበገሰ ጉጅለ ልኡኻት ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ መቐለ ጉዕዞ ከካይዱ ኣብ ነፋሪት እናሃለዉ ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ክምለሱ ተገይሩ ኢለን::
እቲ ጉዕዞ ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ዝፈልጦ እዩ ዝበላ ንሰን እዚ ኣካል ኣብ ልዕሊ ክልል ትግራይ ብተደጋጋሚ ይካየድ ዘሎ ወፍሪ እዩ ክብላ ተዛሪበን::
ካብ ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ መልሲ ንምርካብ ዝተገብረ ፃዕሪ አይሰመረን::
Your browser doesn’t support HTML5
ናብ ትግራይ ዘምርሑ ዝነበረ ጉጅለ ልኡኻት ቻይና ብፈደራል መንግስቲ ተኸልኪሎም ክብል መንግስቲ ክልል ትግራይ ከሲሱ