ኣስመራ —
ማሕበረ ኮም ኤርትራውያን ተመለስቲ ሰሜን ኣሜሪካን ካናዳን ምስ ባህልን መነባብሮን ሃገሮም ኣብ ምልላይን ኣብ ዝተፈላላዩ ናይ ግብረ ሰናይ ንጥፈታትን እጃሞም ከበርክቱ ከምዝሰርሑ ኣባል ቦርድ ህዝባዊ ርክባት ናይቲ ማሕበር ኣቶ ብርሃነ ተወልደ ንድምጺ ኣሜሪካ ተዛሪቡ።
እቲ ማሕበር 613 ቀወምቲ ንጡፋትን ከምኡ’ውን ካልኦት ተመላለስትን ኣባላት ከምዘለዎ፡ ኣባላቱን ግዱሳትን ዓመታዊ ብዝገብርዎ ወፈያታትን ከምዝመሓደርን ምስ ሚንስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ብምትሕብባር ንጽጉማት ተማሃሮ፡ንዓይነ ስውራንን ጽሙማንን ዝተፈላለየ ናይ ናውቲ ሓገዛትን ከምዘበርክት ኣቶ ብርሃነ ተዛሪቡ።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
Your browser doesn’t support HTML5
ማሕበር ኤርትራውያን ተመለስቲ ሰሜን ኣሜሪካን ካናዳን ሃገሮም ኣብ ምልላይን ዝተፈላለዩ ሓገዛትን ኣብ ምብርካትን ከምዝሰርሕ ተገሊጹ