ኣስመራ —
ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ ምክንሻብ ደቂ ኣንስትዮን ካልኦት ጎዳእቲ ልምድታትን ንምውጋድ ዝሕግዝ ስትራቴጂ ሓንጺጹ ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊጹ::
ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ ኣብ ምውጋድ ምክንሻብ ደቂ-ኣንስትዮ ብዝተኻየደ ጻዕሪ ልዕሊ 500 ዓድታት ካብ’ቲ ጎዳኢ ልምዲ ነጻ ከምዝኾና ገሊጹ።ሚኒስትሪ ጥዕና ምስ ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ሃገራዊ ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራን ብሓባር ብምዃን ንኩሉ ጎዳኢ ልምድታት ንምውጋድ ዝሕግዝ ስትራቴጂ ሓንጺጹ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣብቲ ሚኒስትሪ ሓላፊ ኣሃዱ ጥዕና ፍርያምነት ኣቶ ኤፍረም ዝብኣይ ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሩ።
እቲ ካብ 2017-2030 በብሓሙሽተ ዓመታት ዝትግበር መደብ ብግዜን ብቁጽርን ዝልካዕ ብምዃኑ ናብ’ቲ ዝድለ ሽቶ ንምብጻሕ ሓጋዚ ከምዝኾነ ኣቶ ኤፍረም ወሲኹ ኣረዲኡ።
Your browser doesn’t support HTML5
ሚ/ጥዕና ኤርትራ ምክንሻብ ደቂ ኣንስትዮን ካልኦት ጎዳእቲ ልምድታትን ንምውጋድ ዝሕግዝ ስትራቴጂ ሓንጺጹ ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊጹ