ሓደስቲ እቱዋት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዳባት መብርሂ ይጽበዩ

Your browser doesn’t support HTML5

ቅድሚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ዝነብሩ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ካልኦት ብሕጋዊ ፍቓድ ናብታ ሃገር ዝኣተዉን ነባሮ ካልእ ሃገር ብጃምላ ተገፊፎም ናብ መዓስከር ስደተኛታት ዳባት ተወሲዶም ኣለዉ። ዛጊት ብወገን ሰብ-መዚ ኢትዮጵያ ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ዝተዋህበ ወግዓዊ መግለጺ የሎን። ንኩነታቶም ብዝምልከት ገለ ካብቶም ተገፊፎም ዝተወስዱ ብስልኪ ኣዘራሪብና ኣለና።