ዋሽንግተን —
ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተጀመረ ርክብ ሎሚ ሶሉስ ናብ ካልእ ምዕራፍ ብምስግጋር ሓባራዊ ዶባተን ዳግማይ ከፊተን።
ፕረዚዳንት ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድን ሎሚ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ ንክልቲአን ሃገራት ዘራኽብ መስመር ዶብ ደባይ ሲማ-ቡሬ ድሕሪ ቐትሪ ኸአ ዶብ ሰርሓ-ዛላምበሳ ብድሙቕ ስነስርዓት ከፊቶም ኣለው።
ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ አዲስ አበባ ኣብ ዝኣተውሉ ኣብ ዝሃብዎ ቃል “ሰራዊትናን ሰራዊት ኤርትራን ተሓቛቒፉ ብሓባር ክስዕስዕን ክነብዕን ምርኣይ ኣዚዩ ደስ ይብል” ኢሎም።
ኣብ ዛላንበሳ ኣብ ዝተኸብረ ስነስርዓት መደረ ዘስምዑ ምኽትል ኣማሓዳሪ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል እዚ ክፍጥር ንዝገበሩ መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ኣመስጊኖም።
ዝተጀመረ ሓድሽ ምዕራፍ ንምድልዳል ህዝብን መንግስትን ትግራይ ክልቲኡ ህዝብታት ብውሑስ ሰላምን ልምዓትን ክርብሑ ክሰርሕ እዩ ኢሎም።
እቲ ዶባት ዳግም ናይ ምኽፋት ስነስርዓት ምስ ሓድሽ ዓመት ኢትዮጵያ ተገጣጢሙ’ሎ።
Your browser doesn’t support HTML5
ሓባራዊ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዳግማይ ተኸፊቱ
Your browser doesn’t support HTML5
ምስ ገለ ኤርትራዊያንን ተጋሩን ዝተካየደ ቃለ ምልልስ
ኣብ ርእሲ'ዚ ንምርኣይ ፕረ.ኢሳያስ ኣፈወርቂን ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድን ንመራኸቢ መስመር መንገዲ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብወግዒ ከፊቶም