ሃገራዊት ጋንታ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ፈላማይ ግጥም መጻረይ ዋንጫ ኣፍሪቃ 5 ብ 0 ተሳዒራ

ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ምስ መዘንኣ ጋንታ ብሩንዲ ሎሚ 20 ጥቅምቲ,2021 ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ኣስመራ ስታድዩም ኣብ ዝገበረቶ ፈላሚ ግጥም መጻረዪ ዋንጫ ኣፍሪቃ 2022: 5 ብ 0 ተሳዒራ።

ብመሰረት ዝወጸ መደብ ጸወታ ካፍ፡እዘን ክልተ ሃገራውያን ጋንታትት 26 ጥቅምቲ ካልኣይ ግጥመን ኣብ ብሩንዲ፡ከተማ ንጉዚ ከካይዳ’የን።ኣብ ካልኣይ እግሪ ዝተዓወተት ጋንታ ኸአ ካብ ጅቡቲን ሩዋንዳ ምስ ዝሰዕረት ጋንታ ክትጋጠም’ያ።