ድሕሪ ምቁራጽ ኲናት ኣብ ክልል ትግራይ 1,329 ሰባት ብሰንኪ ጥምየት ምሟቶም ተገሊጹ

Your browser doesn’t support HTML5

ድሕሪ ናይ ክልተ ዓመታት ኲናት ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሕዳር ብስምምዕ ፕሪቶርያ ደው ምባሉ ኣብ ክልል ትግራይ 1,329 ሰባት ብጥምየት ምሟቶም ምርግጋጾም ኣብቲ ጉዳይ መፅናዕቲ ዝገበሩ ኣካላት ከምዝሓበሩ ኣሶሴይትድ ፕረስ ኣፍሊጡ፤። ብምትሕብባር ዩኒቨርስቲ መቐለን ሰበ ስልጣን ጥዕና እቲ ኽልልን ዝተኻየደ መፅናዕቲ ከምዘመልክቶ ኣብዚ እዋን ኣብ ትግራይ “ጥምየት ጠንቂ ሞት ኮይኑ ምህላዉ” የመልክት።