ቤት ፍርዲ ናይጀሪያ ካብ ገዛ ናይ ዘይምውፃእ ትእዛዝ ንዝጠሓሰት ከያኒት ቀፂዑ

  • ገብረ ገብረመድህን
    ዜና ቪኦኤ

ሓደ ቤት ፍርዲ ናይጀሪያ ሰባት ካብ ገዛውቶም ከይወፁ ዝተኣወጀ ትእዛዝ ብምጥሓስ ናይዓል ቤታ ናይ ልደት ዘኽበረትን ጌጋኣ ዝተቐበለትን ከያኒት ፉንቄ ኣክንዴል ቤሎ ማሕበረስባዊ ኣገልግሎት ክትህብ​ ኣዚዙ

ትማሊ ሶኑይ ቤት ፍርዲ ዝቐረቡ ሰብ ሓዳር ነቲ ሕጊ ምጥሓሶም ናይ ገንዘብ መቕፃዕቲ ክኸፍሉን ናይ 14 መዓልታት ማሕበረሰባዊ ኣገልግሎት ክህቡን ተኣዚዞም ኣለው

እታ ከያኒት(ተዋሳኢት) ​ ነቲ መንግስቲ ዝኣወጆን ንሳ እውን ህዝቢ ነቲ ኣዋጅ ክቕበሎ ዘተባብዐትሉን ትእዛዝ ብምጥሓሳ ተነቒፋ

ናይ ናይጀሪያ ማእኸል ምቁፅፃር ሕማም ዛጊት በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ልዕሊ 200 ዝሞቱ ድማ ሓሙሽተ ሰባት መዝጊቡ ኣሎ