ኣስመራ —
ሚንስትሪ ጥዕና ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ካብን ናብን ኤርትራ ዝገበሩ መገሻታት ብዝምልከት ሓድሽ ናይ ጉዕዞ ምምርሒ ኣውጺኡ።
ካብን ናብን ኤርትራ ዝገበሩ መገሻታት ናይ ግድን ህጹጽ ንዝኾኑ ምኽንያታት ጥራይ ምስ ዝኸውን ክካየዱ ሚንስትሪ ጥዕና ኤርትራ ብ15 መጋቢት ኣብ ዝዘርግሖ መምርሒ ኣፍሊጡ።
ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝግበሩ መገሻታት’ውን ናይግድን እንተዘይኮይኑ ክድረቱ ከምዝግባእ፡ ኩሉ ሰብ ብዝተኻእለ መጠን ካብ ናይ ሰባት ምትእኽኻብ ክፍንተት ከምዝግባእ እቲ ሚንስትሪ ጥዕና ኤርትራ ዝተዘርግሓ መምርሒ ኣፍሊጡ’ሎ።
ኣቐዲሞም ካብን ናብን ኤርትራ ዝተጓዕዙ ገያሾ ኣብ ዝደለይዎ ግዜ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ከምዝኽእሉ ኣብ ሚንስትሪ ጥዕና ኤርትራ ግዝያዊ ጀነራል ዳይረክተር ዶ/ ር ዓንደብርሃን ተስፋጽዮን ንድምጺ ኣሜሪካ ብተለፎን ሓቢሩ።