ኣስመራ —
‘ሂማላያን ካታራክት ፕሮጀክት ‘ዝተባሃለ ኣብ ኣሜሪካ ዝመደበሩ ጉጅለ ሓካይም ዓይኒ፡ካብ 10 ሕዳር ጀሚሩ ክሳብ 15 ሕዳር ዝቅጽል ናይ ሓበላ መጥባሕቲ ኣብ ሃገራዊ መወከሲ ሆስፒታል ብርሃነ ዓይኒ ኣስመራ የካይድ ኣሎ።
ኣብቲ ዜጋታት ኣሜሪካ፡ኤርትራ፡ኢትዮጵያን ሂማልያን ዝኮኑ 17 ክኢላታት ሕክምና ዝሓቖፈ ጉጅለ ምስ ኤርትራውያን ሓካይም ውሽጢ ሃገር ብሓባር ዝካየድ ዘሎ መደብ፡ ኣስታት 1500 ሰባት ተጠቀምቲ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ’ሎ።
“እዚ ብሓባር ዝካያድ መጥባሕቲ ተመክሮ ኣብ ምልውዋጥን ካልእ ዝምድናታትን ኣብ ምፍጣር ዓቢ ተራ ኣለዎ።” ክብሉ ኣብቲ መጥባሕቲ ዝሳተፉ ዘለዉ ሓካይም ንድምጺ ኣሜሪካ ተዛሪቦም።
ተጠቀምቲ ናይቲ መጥባሕቲ ብግዲኦም፡’ሳላ ዝረኸብዎ ናይ ናጻ መጥባሕቲ ክርእዩ ከምዝበቕዑ’ ተዛሪቦም።